Duration 27:51

The don dinar Show ሰፊሕ መግለጺ ምክልኻል ማዳን ክንክን ቆርበትን ምስ samia ABDU ፍሉይ መደብ ብፍላይ ንደቀንስትዮ

631 watched
0
16
Published 16 Apr 2021

https://www.facebook.com/samia.abdu.12 /channel/UCAsPqGK-MRFlKwpdUVfc3gA https://instagram.com/samia_erican?igshid=l1vlit6m3gnp The Don Dinar Show: ምክልኻል ካብ ማዳን ክንክን ቆርበት ገጽን እዛ መደብ ብጠለብ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሰርሐት`ያ፣ ተስፋ እገብር ከኣ ክትዓግባላ። ስለምንታይ`ዩ ማዳ ብብዝሒ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስደት ዝረአ ዘሎ? እቲ ዝገርም ድማ ኣብ ዓድና ሓያል ጸሓይን ብዙሕ ክንክን ዘየሎ እንከሎ፣ ኣብ ስደት ግን ብኣንጻሩ ልዑል ክንክን ከምኡ ውን ምዕቡል ሕክምና እንከሎ ብብዝሒ ይኽሰት ኣሎ። ጠንቂ ማዳ ግን እንታይ`ዩ? ‘’ መመላኽዒ ዘለኪ ጽባቐ`ዩ ዘጉልሓልኪ እምበር ዘይነበረኪ ኣይኮነን ዘምጽኣልኪ።’’ ሳምያ ዓብዱ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጽብቕቲ ኮይና`ያ ክትረአ እትደሊ፣ እንተኾነ ግን ብዛዕባ እትጥቀመሉ መመላኽዒ ዕሙቚ ዝበለ ኣፍልጦ እንተዘይብላ፣ ኣብ ቆርበት ናይ ገጻ ሃሰያ ክውርድ ዝኽእል ዓይነት ቕብኣትን ወይ ውን ግጉይ ኣጠቓቕማ ብምዝውታር ንቆርበታ ከተርቅቖ ትኽእል`ያ። ስለዚ ኣብ`ዛ ናይ ሎሚ ሾው ነዚን ካልእን ኣዕሙቚ ኣቢለ ዳህሲሰዮ ኣለኹ። ናይ ሎሚ ዕድምተይ ድማ ክኢላ ስነ-ጽባቐ ሳምያ ዓብዱ`ያ። ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ ነዛ መደብ ክሳብ መወዳእታ ክትከታተላ እዕድመክን። ምስ መሓዙትክን ኣሓትክንን ድማ ሼር ምግባር ኣይትረስዓ ኢኽን። ክቡራት ተኸታተልቲ ኣብዛ ቻነለይ ሳብስክራይ ብምግባር ናይ ወትሩ ተኸታተልቲ`ዚ The Don-Dinar Show ክትኮኑ ይዕድመኩም። ሰናይ ምክትታል ምስ ልዑል ምስጋና

Category

Show more

Comments - 2